ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንት ቴክኖሎጂ ፍሪያት የዕቢ ኣሎ-ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንት ቴክኖሎጂ ፍሪያት ብምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገበር ከምዘሎ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዋ ዳይሬክተር ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ እቲ ቴክኖሎጂ ፍሪያት ክብ ክብል ብምግባር ንዕብየት ዓመታዊ ሓፈሻዊ ፍሪያት ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ንኣብነት፥ ኣብ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ መጠን ፍሪያት ኣብ ምዕባይን ፅርየት ኣብ ምምሕያሽን ተወዳዳሪ ንምዃን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዓውዲ ግብርና ኣጠቓቕማ እታዎት ንምዝማንን ኩነታት ኣየር ኣቐዲምካ ንምግማትን እቲ ቴክኖሎጂ ፍሪያት ዕድል ምህዞ ንምዕባይ ከምዝኽኣለ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣዋሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ኣብ ምቅልጣፍ ናይ ዜጋታት ምጉልእላእ ንምትራፍ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ የበርክት ኣሎ ኢሎም።

ብሃይለማርያም ተገኝ

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment