ኣባላት እዚ ሰሜን ምዕራብ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣባላት እዚ ሰሜን ምዕራብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

እቲ ተኸላ ፈልሲ “በምትካል ምብራኽ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ እንትኸውን፥ ንመበል ሻውዓይ ግዘ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ ኢዩ።

ዋና ኣዛዚ እቲ እዚ ሌተናል ጄኔራል ብርሃኑ በቀለ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፥ እቲ ሰራዊት ናይ ሃገሩ ሰላመን ሉእላውነትን ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ኣጀንዳታት ልምዓት ብንቕሓት ይሳተፍ ኣሎ።

እቲ ተኸላ ፈልሲ ሰራዊት ምስ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድና በዝበለፀ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሃገር ንምፅናዕ ምስ ዝግበር ቃልሲ ጎድኒ ንጎድኒ ኩለን ክፍላተሰራዊት ኣብ መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳትፎ ክገብራ ኢየን ኢሎም።

ብበላይነህ ዘለኣለም

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment