ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣባላት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ሃረር ካብ መሸጣ መፅሓፍ መደመር ትውልድ ብዝተረኸበ ኣተዊ ኣብ ፓርክ ኢኮ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዋና ፅሓፊ ቤት ምኽሪ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ታጋይ ታደለን ተወከልቲ ላዕለዎት ሓለውቲ ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ተሳቲፎም፡፡
ኣባላት እቲ ጉባኤ መስሕብ ቱሪስት ንምዕባይ ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ ልምዓት ኮሪደር ጁገል ግንብ ሓዊሱ ካልኦት ስራሕቲታት ልምዓት ተዓዚቦም፡፡
ፅባሕ ኣብ ከተማ ሃረር ኣብ ዝርከብ ስታዲየም ኢማም ኣሕመድ መልእኽቲ ሰላም ከመሓላልፉ ትፅቢት ይግበር ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!