ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 10ይ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ጉባኤ ምምሕዳር ግልጋሎት መንግስቲ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ፡፡
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሃይለ (ዶ/ር) ነቲ ጉባኤ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ጉባኤ ምምሕዳርን ግልጋሎት መንግስቲ ኣፍሪካ ኣብቲ ኣባል ሕብረት ሃገራት ኣብ በቢ ክልተ ዓመታት ከምዝካየድ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዚምባቡዌ ኣብ ዝተካየደ ጉባኤ 9ይ ዙር ኣብ ዝገበረቶ ውድድር ኣብ መበል 10ይ ዙር ንምድላው ምምራፃ ኣዘካኺሮም፡፡
እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝካየድ ጉባኤ ኣብታ ከተማ ፀገም ቀረብ ብምፍታሕ ንኹሉ ዝሓቁፍን ዘላቒን ልምዓት ንምምፃእ፣ ተሓታትነት ንምዕሳልን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምትእስሳር ወሳኒ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍካን ዘውፀአቶ ምምሕዳር ግልጋሎት መንግስታት ዝምልከት ኣጀንዳታት ንምፍፃም ምምሕዳር ግልጋሎት መንግስቲ ምምሕያሽ ምግባራ ሓቢሮም፡፡
ብመቅደስ ከበደ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!