ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ማዕቐፍ ስምምዕነት ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ዘፅደቓ ሃገራት ተዛቲዮም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፤ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ታንዛኒያ፣ ኡጋንዳ፣ ቡሩንዲን ደቡብ ሱዳንን ተሳቲፎም፡፡
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም፤ ማዕቐፍ ስምምዕነት ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዝትግበረሉን ብቕልጡፍ ኮሚሽን ተፋሰስ ናይል ምጥየሳሽ ኣብ ዝከኣለሉን ኩነታ ተመያይጦም፡፡
ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት ማዕቐፍ ምትሕብባር ናይል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መምርሒ ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ሓራዊ ተረባሕነት ሩባ ናይል ዘለወን ቅዋም ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡
እቲ ስምምዕነት ኣባል ሃገራት ኣብቲ ሩባ ዘለወን ፍትሓዊን ምኽንያታዊን ተረባሕነት ንምርግጋፅ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት እውን ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!