ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዲጂታላይዜሽን ርኡይ ለውጢ እናምፅኡ ምዃኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
“ብዲጂታል ዝተሓገዘ ትራንሰፖርትን ሎጅስቲክስን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተወከልቲ ትካላት መንግስቲ፣ መሓዙት ልምዓት፣ መራሕቲ ኢንዱስትሪን ሰብ ሞያን ዘሳተፈ ዓውደ መፅናዕቲ ተኻይዱ።
ኣብዚ እዋን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስትራተጂ ርኡይ ለውጢ ካብ ዘምፅኡ ዓውዲታት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን እቲ ሓደ እዩ፡፡
እቲ ዓውዲ ዲጂታል ንምዝማን ምቸው ኩነታት ምፍጣሩ ብምሕባር÷ መንግስትን ዉልቀ መሓዙትን ግልጋሎት ትራንስፖርት ዘሳልጡ ቴክኖሎጂታት ምትግባሮም ተዛሪቦም፡፡
ዲጂታል ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ናብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንዝግበር ስግግር ወሳኒ ብምዃኑ ስራሕቲ ምውዳብ ከጠናኸሩ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።