ኣብቲ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዲጂታላይዜሽን ርኡይ ለውጢ የምፅኡ ኣለው – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዲጂታላይዜሽን ርኡይ ለውጢ እናምፅኡ ምዃኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

“ብዲጂታል ዝተሓገዘ ትራንሰፖርትን ሎጅስቲክስን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተወከልቲ ትካላት መንግስቲ፣ መሓዙት ልምዓት፣ መራሕቲ ኢንዱስትሪን ሰብ ሞያን ዘሳተፈ ዓውደ መፅናዕቲ ተኻይዱ።

ኣብዚ እዋን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፤ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስትራተጂ ርኡይ ለውጢ ካብ ዘምፅኡ ዓውዲታት ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን እቲ ሓደ እዩ፡፡

እቲ ዓውዲ ዲጂታል ንምዝማን ምቸው ኩነታት ምፍጣሩ ብምሕባር÷ መንግስትን ዉልቀ መሓዙትን ግልጋሎት ትራንስፖርት ዘሳልጡ ቴክኖሎጂታት ምትግባሮም ተዛሪቦም፡፡

ዲጂታል ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ናብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንዝግበር ስግግር ወሳኒ ብምዃኑ ስራሕቲ ምውዳብ ከጠናኸሩ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment