ኣብቲ ዞባ ንምምሕያሽን ምርግጋፅን ኣተሓሕዛ መገዲ ኣየራት ቆራፅ ዝኾነት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ዮሃንስ ኣበራ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ንመገዲ ኣየራት ንምምሕያሽን ምርግጋፅን ኣተሓሕዛ ድሕንነት ቆራፅ ኢያ ኢሎም።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኣቪዬሽን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተረኸቡሉ ትራንስፖርት ኣየር ኣተሓሕዛ ዓማዊል ብዝምልከት ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ዕዳጋ ትራንስፖርት ኣየር ኣፍሪካ ንመገደኛታት ድሕንነት ዘላቒ ዝኾነ ትኹረት ንመሃብ ከምዝሕግዝ ተመልኪቱ።

ኣይተ ዮሃንስ ኣበራ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ ድሕንነት መገደኛታት ዝረጋገፅ ብመንግስታት፣ መገዲ ኣየራት፣ ተቖፃፀርቲ ከምኡ እውን ብወሃብቲ ኣገልግሎት ኢዩ።

ናይ ተናፀል ፃዕሪታት ትካላዊ ብዝኾነ መልክዑ ብሓባር ብምትግባር ድሕንነት መገደኛታት ምርግጋፅ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ንምምሕያሽን ምርግጋፅን ኣተሓሕዛ መገዲ ኣየራት ዘለዋ ቆራፅ ቅዋም ገሊፆም።

ብሰለሞን በየነ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment