ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካልኣይ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ምግቢ ዘካየደቶም ተግባራትን ዝተባባዕ ውፅኢትን ንዓለም ኣርእያ እያ ኢሎም ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር።
እቶም ሚኒስትር እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድ ብምዃን መግለፂ ሂቦም።
ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ ምስ መላእ መራሕቲ ዓለምን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብቲ ጉባኤ ምርካቦም ስርዓት ምግቢ ንምርግጋፅ ቆራፅነት የርእይ፡፡
እቲ ጉባኤ ብስርዓት ምግቢ ዕውት ንምግባር ግቡእ ስርዓት ፋይናንስ ንክህልው ንምዝታይ ዓብዩ ግደ ኣለዎ ምባሎም ብምግላፅ፤ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ሽትኡ ንምዕዋት ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ፡፡
ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶ ውፅኢት ዘቐመጠቶ ዓወት ናይ መወዳታ ዘይምዃኑ ብግልፂ ኣሰራርሓ ተዘርጊሑ ናብ ተግባር ዝኣተወ ስርዓተ ምግቢ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ።
ኣሚና መሓመድ ብወገነን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ፈላማይ ጉባኤ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝኣተወቶ ቃል ኪዳን ኣብ እትትግብረሉ መገዲ ዝበረታታዕ እዩ ኢለን።
ብመሳፍንት ብርሌ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!