ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝረኣዩ ጥሕሰታት ደምቢ ዝውሰድ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ በዓል መዚ ምኽባር ደምቢ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡፡
ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ሻለቃ ዘሪሁን ተፈራ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም ለኸ ደረጃ ብዝሓለወ መልክዑ ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መደባት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ሃኒፃ፡፡
ዝተወገነ ልምዓት ኮሪደር ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ኮይና ንኽትቅፅል ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣመልኪቶም፡፡
ብምዃኑ ድማ ኣብታ ከተማ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ወሰን ሩባነ ዝረኣዩ ተግባራት ምትሕልላፍ ደምቢ ንምክልኻል ብቖራፅነት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ወረራ መሬት፣ ዘሕይጋዊ ንግዲ፣ ዝህውኹ ተግባራት፣ ዘይሕጋዊ ምልክታን ማሕረዲን ከምኡ እውን ግቡኣት ዘይኮኑ ካልኦት ተግባራት ኣድላዪ ቁፅፅር እናተገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ስራሕቲ ቁፅፅር ዕዉት ንምግባር ድማ ብስነ ምግባርን ዲሲፕሊንን ዝተሃነፁ፤ ብቕንና ሕብረተሰብ ዘገልግሉ ፖራ ሚሊተሪ ኦፊሰራት ናይ ምፍራይ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!