ኣብዚ ዓመት ታሪክ ተፀባይነት ኢትዮጵያ ንምቕያር መሰረት ዘንበሩ ስራሕቲ ተሰሪሖም – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ በጀት ዓመት 2017 ካብ ተፀባይነት ንምውፃእ ዝተሰርሑ ስራሕቲ፣ ታሪኽ ተፀባይነት ኢትዮጵያ ንምቕያር መሰረት ዘንበሩ እዮም ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንትን ዋና ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ስራሕቲ መድረኽ መዛዘሚ ገምጋም እቲ ፓርቲ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ÷ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ብዙሓት ስራሕቲ ዝተሰርሕሉ ናይ ትግሃትን ዓወትን ዓመት ምንባሩ ኣረዲኦም፡፡

እቲ ውድብ ብሰብኣውን ናውቲ ሃፍቲን ንምጥንኻር፣ ብዘበናዊ መረዳእታ ንምውዳብ ከምኡ እውን ያታን ተቐባልነትን ንምርግጋፅ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዕዉት ምንባሮም ገሊፆም።

ብኣተሓሳስባ፣ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ዝተውሃደ ፓርቲ ንምፍጣር ዝተስርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝነበሩ ሓቢሮም፤ በዙይ እውን እቲ ፓርቲ 2ይ ስሩዕ ጉባኤን 5ይ ዓመት ምጥያሽ እቲ ውድብ ብዝተዋደደ መገዲ ንምዕዋት ተኻኢሉ ኢሎም፡፡

ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብቀፃሊነት ንምርግጋፅ ትኹረት ብምግባር ከምዝተሰርሐ ዝገለፁ ኣይተ ኣደም ÷ በዙይ እውን ዕውት ስራሕቲ ምምፅኡ ኣረዲኦም፡

ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ምንባሮምን ንህዝቢ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዘተ ክሳተፍ ምግባሩ ዕውት መገዲ ምቕፃሉ ኣገንዚቦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment