ኣብ ሃዋሳ ዓመታዊ በዓል ንግሲ ቅዱስ ገብርኤል ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መምርሒ ፖሊስ ከተማ ሃዋሳ ዓመታዊ በዓል ንግሲ ቅዱስ ገብርኤል ብድምቀት ንምኽባር ምድላው ተገይሩ ኢሉ።

ኣዛዚ እቲ መምርሒ ኮሚሽነር ግርማ ማቴዎስ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝሉዎ፤ ኣጋይሽ ተቐቢሉ ንትእንድን እቲ በዓል ንግሲ ብድምቀት ንምኽባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር እናተሰርሐ ይርከብ።

ማሕበረሰብ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ እናሰርሐ ዝርከብ ተግባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካልት ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ከይገብሩን ተመን ዋጋ ንኽልጥፉን ኣገንዚቦም።

ዘይሕጋዊ ተግባር ከየጋጥም ልዑል ቁፅፅር ኣብ ምግባር ይርከብ ኢሎም።

ዕዱማት እቲ ናይ ንግሲ በዓል ናብታ ከተማ ምእታው ከምዝጀመሩ እውን ፀሪሖም።

ብብርሃኑ በጋሻው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment