ኣብ ሃገራዊ ለውጢ ብተግባር ዕላዊ ዝኾነ ፍትሓዊ ተረባሕነት ልምዓት ህዝቢ ክልል ዓፋር…

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበርቲ ከተማ ሰመራ ሎጊያ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ተሳትፎ ፖለቲካን ተረባሕነት ፈትሓዊ ልምዓትን ህዝቢ ክልል ዓፋር ብተግባር ዕላዊ ኮይኑ ኢሎም።

‘ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታት ናይ ምድማር መንግስቲ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሰመራ ሎጊያ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ፥ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብቲ ክልል ዘሎ መስኖ ልምዓት ሓዊሱ ካልኦት ስራሕቲ ግብርና ብዝፍሓት ይካየዱ ብምህላዎም ካብ ተሓጋዝነት ናብ ኣፍራይነት ንምስግጋር ዝግበር ፃዕሪ ይዕወት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ዝተኻየዱን ኣብ ምክያድ ዘለዉን ስራሕቲ ልምዓት ንሃገር እውን ዝረብሑ ብዛዕባ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ቅድመ ሐዚ በዝነበረ ምምሕዳር መንግስቲ ናይቲ ክልል ህዝቢ ተሳትፎ ፖለቲካን ተረባሕነት ልምዓትን ፍትሓዊነት ዝጎደሎ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ብናይ ለውጢ መንግስቲ ማዕርነትን ፍትሓዊነትን ብተግባር ከምዝተረጋገፀ ገሊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment