ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሃገራዊ ዘተ ልዑል ተሳትፎ ሕብረተሰብ ንኽህሉ መናእሰይ ግደኦም ይፃወቱ ኣለዉ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርአያ (ፕ/ር)።
“ግደ መናእሰይ ንዕዉት ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ መናእሰይ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
መስፍን ኣርአያ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ተሳጋሪ ንዝኾኑ ፀጋማትን ዘይምርድዳእም መፍትሒ ንመሃብ እቲ ኮሚሽን እናተገበረ ዝርክብ ናይ ዘተ ሓሳብ ንኽዕወት ዕዙዝ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
በዚ ድማ መናእሰይ ኣብ ከይዲ ምእካብ ኣጀንዳ ዘይተሓለለ ፃዕሪን ተሳትፎን እናገበሩ ምፅነሖም ኣልዒሎም።
እቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ዝገበሮ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ መናእሰይ ሃገራዊ ፋረብሐኦም ዕዙዝ ዝኾኑ ኣጀንዳታት ናይ ምፍላይ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ግደ መናእሰይ ዕዙዝ ከምዝነበረ እውን ኣመላኪቶም።
ብሄብሮን ዋልታው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!