ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዶክተር ፕራቲክ ጆሺ ናብራ ንምምሕያሽ ምስ በዓልቲ ገዝኡን ሰለስተ ደቁን ተፈልዩ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ለንደን ገይሩ ነይሩ፡፡
በዓልቲ ገዝኡን ደቁን ናብ ለንደን ኣመፂኡ ሕጉስ ህይወት ንምንባር ሕልሚ ሰኒቁ ብዙሕ ፀገማት ሓሊፉ፡፡
ድሕሪ ዓመታት ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ንስድርኡ ኩሉ ብምምላእ ቤተሰቡ ናብ ለንደን ናይ ምውሳድ ትልሚ ጋህዲ ኮነ።
በዓልቲ ገዝኡ፣ ማንታ ደቁን ሓንቲ ጓሉን ኣብ ለንደን ዝሓሸ ህይወት ንምንባር ከይዲታቱ ብምውድኡ ይሕጎሱ ንጉዕዞ ምድላዋት ጀሚሮም።
ኣብ ትነብረሉ ከባቢ ፍልጥቲ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝኮነት በዓልቲ ገዝኡ ዶ/ር ኮሚ ቪያስ ቅድሚ ጉዕዞ ክልተ መዓልቲታት ስርሓ ብፍቃዳ ለቒቓ፡፡
ድሕሪኡ እቶም ስድራቤት ናብ ለንደን ንምብራር ሻንጣ ሒዞም፤ ኣብ ለንደን ብሓድሽ ህይወት ክጅምሩ ተስፋ ብምግባር ንኣዕሩኽቶምን ቤተሰቦምን ተሰናቢቶም።
እታ ንዓመታት ዝፅበይዋ ዝነበሩ መዓልቲ በፂሓ ብተስፋን ናብ ለንደን ንምብራር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣህመዳባድ ተረኺቦም፡፡
በረራ ቁፅሪ 171 ብዝኮነ ኣውሮፕላን ምስ ኣተው ቅድሚ ምብጋሶም ኣብ ዝተቀመጥሉ ቦታ ንኣዕሩኽቶምን ቤተሰቦምን ኮፍ ኢሎም ዘርኢ ስእሊ ኣካፊሎም፤ ፈተውቶምን ቤተሰቦምን ሰናይ ትምኒት ተመነዩሎም።
ይኹን እምበር እታ ዝነበርዋ ኣውሮፕላን በረራ ምስጀመረት ድሕሪ 30 ሰከንድ ብዘስካሕክሕ ኩነታት፤ ዶ/ር ፕራቲክ ጆሺ፣ በዓልቲ ገዝኡ ፣ ማንታ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን በቲ ሓደጋ ህይወቶም ሓሊፉ።
ዶ/ር ፕራቲክ ጆሺን ስድርኡን ኣብ ለንደን ብሓባር ናይ ምንባር ሕልሞም ብዘሕዝን መወዳእታ ንክዛዘም ኮይኑ።
ካብ ምዕራብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣህመዳባድ ናብ ለንደን 242 ሰባት ዝፀዓነት ኣውሮፕላን ኣብ ህንዲ ትማሊ ሓደጋ ምሕምሻሽ ዘጋፀም ምዃኑ ይፍለጥ፡፡
ብመላኩ ገድፍ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!