ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብህንፀት ኣብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ሰብ ስራሕ ቃላይ ንጋት አብ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ልዑል ምንቕቓሕ ፈጢሩ ኣሎ።
ምክትል ሓላፊ ዘፈር ሃፍቲ እንስሳትን ዓሳን ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ብርሃኑ ኢትቻ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ፤ ቃላይ ንጋት ምፍጣሩ መፍረያይነት ዓሳ እቲ ክልል ብልዑል ብርኪ አዕቢዩዎ ኢዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ እናተፈጠረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ቃላይ ኣብ ምዝፋፍ ዓሳ ዝተዋፈሩ 78 ማሕበራት ተወዲቦም ኢሎም።
እቶም ማሕበራት 735 ደቂ ተባዕትዮ 154 ደቂ ኣንስትዮ ብድምሩ 889 ኣባላት ከምዘለዉዎም ብምግላፅ፤ ኣድላዪ ናውቲ ብምምላእ 557 ኣባላት ዘለዉዎም 35 ማሕበራት ናብ ስራሕ ኣቲዮም ኢሎም።
እቶም ማሕበራት ዓሳ ብምፍራይ ንዕዳጋ ምቕራብ ከምዝጀመሩ ብምሕባር፤ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ በጀት ዓመት 1 ሺሕ 435 ቶን ዓሳ ከምዝገፈፉ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ተግባር ምግፋፍ ዓሳ ምቹው ብዝኾነ መልክዑ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ርብዒ ዓመት ዝሐሸ ፍርያት ትፅቢት ከምዝግበር እውን ኣመልኪቶም።
ብኣቢይ ጌታሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!