ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ዝበፅሕ ጉሕለትን ዕንወትን ንምክልኻል…

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ዝበፅሕ ጉሕለትን ዕንወትን ንምክልኻል ኩሉ ግድኡ ንክዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣፈፃሚ ስራሕ ኮሚኒኬሽን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣንዋር ኣብራር፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ዝበፅሕ ጉሕለትን ዕንወትን ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ከምዝመፅአ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ መተሓለፍቲ ኬቢላት መስመራት ሓይሊ፣ ትራንስፎርመር፣ ኤሌክትሪክ ከምኡ ‘ውን ብመኪና ሓደጋ ዝበፅሕ ዕንወት መሰረተ ልምዓት ብስፍሓት ከምዝረአ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ 107 ጉድኣታት ምፍፃሞም ተዛሪቦም።

ካብ መንጎ እዚኣቶም ኣብ 10 ክስታት ገበን ብምምስራት እቲ ጉዳይ ኣብ ከይዲ ፍርዲ ከምዘሎ በምግላፅ፥ ዝተረፉ ድማ ኣብ ከይዲ ምርመራ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፈ ርባዕ ዓመት ኣብ መሰረተ ለምዓት ኤሌክትሪክ ብሰንኪ ዝተፈፀመ ጉሕለት፣ ዕንወትን ጉሕለት ሓይሊን ልዕሊ 143 ነጥቢ 29 ሚሊየን ጉድኣት ከምዘጋጠመ ኣይተ ኣንዋር ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment