ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዝተደምሰሰ፣ ዝተዓፀፈን ዘይረኣይን ቁፅሪ ሰሌዳ ኣብ ረብሓ ከዉዕሉ ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ ልዕሊ 1 ሺሕን 587 ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ ምዉሳዱ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡
ካብ 16 ካሳብ 28 ለካቲት 2017 ዓ.ም ዝፀንሕ ኣብ ኩለን ክፍላተ ከተማ ቀትርን ለይትን ክትትል ከካይድ ምፅንሑ ፖሊስ ኣዲስ አበባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ንምርኣይ ግልፂ ዘይኮነ ቁፅሪ ሰሌዳ ተጠቒሞም ገበን ክፍፅሙ ዝተረኸቡ ኣሽከርከርቲ ተታሒዞም ምርመራ እናተኸየደሎም ይርከብ ኢሉ፡፡
955 ተሸከርከርቲ ናይ ቕድሚትን ድሕሪትን ሰሌዳ ዘይብሎም ከምኡ’ዉን 633 ንምርኣይ ግልፂ ዘይኮኑ ዝተፈላለዩ ቀለም ዝተቐብኡ ሰሌዳታት ክጥቀሙ ምትሓዞም ተሓቢሩ፡፡
ደንቢ ኣብ ዝጥሕሱ ኣካላት እናተኻየደ ዘሎ ቁፅፅር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፖሊስ ኣዲስ አበባ ኣተሓሳሲቡ፡፡