ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተተለመ ትልሚ ልዕሊ ትልሚ ተዓዊቱ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተተለመ ትልሚ ልዕሊ ትልሚ ተዓዊቱ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድይኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ኢትዮጵያውያን እንትተሓባበሩ ተኣምር ከምዝሰርሑ ሎሚ እውን ደጊሙ ተራእዩ ኢሎም፡፡

“ብምትካል ምብራኽ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝሓዝናዮ ትልሚ ንላዕሊ ተዓዊቱ ኢሎም

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን፣ ትካላት ውልቀን መንግስትን፣ ኤምባሲታትን ዓለም ለኸ ትካላትን፣ ህፃናት፣ መንእሰያት፣ ኣረጋውያን፣ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ ንጉሆ ቅድሚ ኣዕዋፍ ወፂም ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ኢትዮጵያ እናኮነ እዩ፡፡ ምስሊ ኢትዮጵያ ይቕይር ኣሎ። ታሪኽ ኢትዮጵያ ይቕይር ኣሎ። መልክዕ ዓለም ይቕይር ኣሎ ኢሎም፡፡

እዚ ልእኽቶ ዘተሓባብሩ፣ ፃውዒትና ሰሚዖም ወፂኦም ዝተኸሉ ኩሎም የቕንየልና ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያዊያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያዊን ወፃኢ ዜጋታትን ብብዝሓትን ብምኣትን ንዝገበርዎ ተሳትፎ ብስም ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብምትካል ንደቅና ፅላል ምዝርጋሕ እዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment