ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሓደ ፀሓይ ሚሊየናት ብምትካል ኣካል ታሪኻዊ ጉዕዞ ምብራኽ ንኹን ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ንኢትዮጵያ ናብ ዝነበረቶ ጥንታዊ ሽፋን ደኒ ብምምላስ ሓምለዋይ ልባስ ንምኽዳን ዝጀመርናዮ ፃዕሪ መበል ሻውዓይ ዓመቱ በፂሑ ኣሎ ኢሉ።
መበል ሻውዓይ ዓመት ጅምር ፃዕርና እንዝክሮ ድማ ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲ ብምትካል ኢዩ ክብል ኣገንዚቡ።
ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ጉዕዞ ሓምለዋይ ኣሰርና ኢትዮጵያዊያን ካብ ኩሉ ኣንፈት፣ ካብ ደጉዓን ቆላን ብሓባር ብመሰረት ዝገበርናዮ ፃዕሪ ልዕሊ 40 ቢሊየን ፈልሲ ተኺልና ኢና ክብል ገሊፁ።
ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ‘ውን ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 23 ሚኢታዊት ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ተዛሪቡ።
ኣብ ሓደ ፀሓይ ብብዙሕ ሚሊየናት ዝቑፀርን ብሓፈሻ ኣብ እዋን ክረምቲ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልስታት ዝተኸልናሉ ናይ ዝሓለፈ ክራማት ናይ ምፅዳቕ መጠን እንትውሰኸሉ ሽፋን ደንና ካብዚ ንላዕሊ ኢዩ እውን ኢሉ እቲ መግለፂ።
ብሓምለዋይ ኣሰር ዝትከሉ ሃገር ቦቆል ናይ ደኒን ፅባቐን ፈልሲታት ጥራሕ እውን ኣይኮኑን ብምባል፥ ሉእላውነት ምግቢና ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ፍራምረታት ብስፍሓት ኣብ ምትካል ከምዝርከቡ ኣብሪሁ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓማውቲ ብጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተተኸሉ ፈልሲታት ናይ ፍራምረ ባህግና ንምምላእ ብዙሕ ርሕቐት ከይድና ኢና፤ ከም ኣቨካዶ ዝበሉ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተደለይቲ ዝኾኑ ፍሪያታት ናብ ወፃኢ ዓዲ ምልኣኽ እውን ጀሚርና ኣለና ክብል ኣገንዚቡ።
ኢትዮጵያዊያን ብሓበራዊ ፃዕርናን ረሃፅናን ብመሰረት ዝፈጠርናዮ ፃዕርና ግድብና ካብ ደለል ንምድሓን ዘኽእለና እውን ኢዩ ኢሉ።
ኣሰርና ዘንበርናሉ ግድብና ብሓምለዋይ ኣሰርና ብምፅናዕ ዳግም ታሪክ ምስራሕ ትፅቢት ይግበረልና ክብል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!