ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝግበሩ ኩለመዳያዊ ምትሕብባር ንሰላም ልዑል እጃም ገይሮም – ፕሬዚዳንት ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ትሕቲ ማዕቀፍ ቀጣናዊ ትካላት ዝግበሩ ኩለመዳያዊ ምትሕብባር ንዝርግሐ ሰላም ልዑል እጃም ገይሮም ክብሉ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊፆም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ሕብረት ኣፍሪካ ዝተጣየሸሉ መበል 62 ዓመት ኣመልኪቶም ንኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ናይ እንዃዕ ኣብፀሐኩም ዝሓዘ ደብዳበ ልኢኾም።

ኣብ መልእኽቶም ኣፍሪካውያን ናፅነቶም ድሕሪ ምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ንርእሶምን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ኣካል ብምግባር ብዙሓት ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ውፅኢታት ምምዝጋብ ምኽኣሎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ትሕቲ ማዕቀፍ ቀጣናዊ ትካላት ዝግበሩ ኩለመዳያዊ ምትሕብባር ነታ ኣህጉር ሰላምን ምርግጋዕን ልዑል እጃም ምግባሮም ሓቢሮም፡፡

ሩስያ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ዝያዳ ንምሕያል መንግስቶም ደገፍ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ብሚኪያስ ኣየለ

 

 

Comments (0)
Add Comment