ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሕቶ በሪ ባሕቲ ኢትዮጵያ ብመዳርግቲ ኣካላትን ዓለም ለኸ ትካላትን ተቐባልነት ንክረክብ ብመሰረት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢታት ይረአዩ ኣለዉ ኢሎም ምሁራን።
ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ምሁራን፥ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮፕያ ብሄራዊ ኣጀንዳነቱ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንዓቐብ ጎሊሁ ወፂኡ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ጉዳይ ፅዕንቶ ፈጣሪ ሃገራት እውን ብቐረባ ንክከታተልኡ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ንግዲን ኣገልግሎትን ንምእታው ናይ ባሕሪ በሪ ምርካብ ንኢትዮጵያ ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ሕጊ መሰረት ብምግባር እተቕርቦ ዘላ ሕቶ በሪ ባሕሪ ብብርኪ ዓለም ተቐባልነት እናረኸበ ምምፅኡ እውን ኣብሪሆም።
መምህር ፖለቲካን ዓለም ለኸ ርክብንን ተመራማሪ ጉዳያት ኣፍሪካን ዩንቨርስቲ ወላይታ ሶዶ ንጋቱ ኣበበ (ዶ/ር)፥ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዘይንካእ ዝነበረ ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይ ህዝቢ ድልየት መሰረት ገይሩዎ ኢዩ ኢሎም።
ናይቲ ጉዳይ ብሄራዊ ኣጀንዳነት እውን ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንዓቐብ ፈጢጡ ምውፅኡ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ካብ ባሕሪ ምርሓቓ ኢፍትሓዊ ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ መምህርን ተመራማሪን ፖለቲካን ዓለም ለኸ ርክብን ዩንቨርስቲ ዋቸሞ እንዳለ ሙላቱ ኢዮም።
ኢትዮጵያ ብታሪክ ኣብ በሪባሕሪ ዝነበራ ስም ንምምላስ መንም ዝኽልክላ ነገር ከምዘየለ ገሊፆም።
ዓለም ለኸ ሕጊ ዝድግፋ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ብኣስጨናቂ ጉዱ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!