ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ትኹረት ዝተገበረሎም ዘፈረታ ለውጢ ኣምፂኦም – ኣምባሳደር ግርማ ብሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ትኹረት ዝተገበረሎም ዘፈራት ዝሐሸ ቁጠባዊ ዕቤት ንኽምዝገብ ዕድል ፈጢሮም ኢሎም ኣማኻሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ግርማ ብሩ፡፡

ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘፈር ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ሓዊሱ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻን ኣገልግሎትን ንዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ሰፊሕ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅአ ኣልዒሎም።

ዕቤት ቁጠባዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሒደት ዓውዲታት ዝተንጠልጠለ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ ድሕሪ ትግበራ እቲ መመሓየሺ ንዓውዲ ብዝሃ ኢኮኖሚ ዝተፈለየ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

በዚ ድማ ትኹረት ዝተገበረሎም ዘፈራት ሙሉእ ዓቕሞም ተጠቒሞም ውፅኢታዊ ንኽኾኑን ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ቁጠባዊ ሃፍቲ ክምዝገብን ዕድል ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም፡፡

እቲ መመሓየሺ ሽዒቡ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ክውሰን ምግባሩ ወፃኢ ንግዲ ካብ ምብርትታዕ ብተወሳኺር ነጋዶ ኣትፍቲ ንኽኸውን ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብፍላይ ካብ ወፃኢ ዕዳጋ ዝኣቱ ዝነበረ ፍርያት ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ኣብ ምትካእ ዘዕግብ ውፅት ተረኺቡ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment