ኣብ መረፃ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣስተዋጽኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መረፃ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ  ብዕዉት ኩነታት ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ መዳርግቲ ኣካላት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ኣካይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሃጂ ኢብራሂም ቱፋ ሓዊሱ ኣባላት ኣፈፃሚ ቦርድ መረፃ፣ ኣመራርሓ እቲ ላዕለዋጥ ቤት ምኽሪን ዑለማታትን ተረኺቦም።

ሼኽ ሃጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ታሪኻዊ ዝኾነ መረፃ ሰላማዊን ፍትሓዊን ኮይኑ ንኽካየድ መንግስቲ ንዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

መረፃ 2017 ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ 2 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ብዓወት ምዝዛሙ ይዝከር።

ብጀማል ኣህመድ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment