ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ቁፅሪ ET-298 ዝኾነት ኣውሮፕላን ትማሊ ኣብ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ድሕሪ ምዕራፋ ካብ ደው መበሊኣ ብምንሽርታት ውሱን መጉዳእቲ ኣጋጢሙዋ፡፡
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እታ ኣውሮፕላን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ብምጉዓዝ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ምስ በፅሐት ዝናብ ይዘንብ ከምዝነበረን ሓቢሩ።
ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ ኣብ ተጉዓዝቲ መገደኛታት ምንም ጉድኣት ከምዘይበፅሐን ብሰላም ካብቲ ኣውሮፕላን ክወርዱ ምግባሩ ተገሊፁ።
ኣብ ክልተ ሰራሕተኛታት በረራ መጠነኛ መጉዳእቲ ብምብፅሑ ተወሳኺ ረድኤት ሕክምና ንምርካብ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ትካል ሕክምና ተወሲዶም ድሕሪ ምሕካሞም ናብ ሆቴል ንክኸዱ ተገይሩ ክብል ኣፍሊጡ፡፡
እቲ መንገዲ ኣየር ንዘጋጠመ ምጉልህላህ ይቕሬታ ብምሕታት ተወሳኺ ሓበሬታ እንትህልው ዘፍልጥ ምዃኑ ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!