ኣብ መእተዊን መውፅኢን ኬላ ደረቕ ወደብ ሞጆ ላቦራቶሪ ምግቢን መድሓኒት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ስርዓት ፅሬትን ቁፅፅርን ንምጥንኻር ዘኽእል ኣብ መእተዊን መውፅኢን ኬላ ደረቕ ወደብ ሞጆ ላቦራቶሪ ምግቢን መድሓኒት ጀሚሩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ፍሬህይወት ኣበበ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ዝተመረቐ ስርዓት ፍተሻ ጥዕና ምግቢን መድሓኒትን ንምቁፅፃር ዝኽግዝ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ላቦራቶሪ ኢዩ።

እቲ ስርዓት ፍተሻ ስርዓት ቁፅፅርን ፅሬትን ንምዝማንን ካብ ዝኾነ ሓደጋ ንምሕላው ዝግበር ሃገራዊ ፃዕሪ ኣካል ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ፍርያታት ብቕልጡፍ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካሊእ ሃገር ከምዝዝርግሑ ብምሕባር÷ እቲ ከይዲ እውን ፅሬቶም ዘይሓለዉን ተመሳሲሎም ዝተሰርሑን ፍርያታት ዝዘዋወሩሉ ዕድል ከምዘስፍሐ ኣብሪሀን፡፡

ብመቅደስ ከበደ

Comments (0)
Add Comment