ኣብ ሞስኮ ማርችንግ ፌስቲቫል ዝደመቐ ማርችንግ ባንድ ምክልኻል ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሩሲያ ኣብ ዘሰናደአቶ ፌስቲቫል ማርችንግ ባንድ ዝተሳተፈ ኢትዮጵያ ጉጅለ ማርችንግ ባንድ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ሞስኮ ምርኢት ሙዚቃን ባህሊን ኣቕሪቡ።

ጉጅለ ማርችንግ ባንድ ምክልኻል ካብ ሩሲያ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሰረት ንፈለማ እዋን ኣብ ፌስቲቫል ማርችንግ ባንድ ዝተኻፈለ እንትኸውን ሎሚ መዓልቲ ፈላማይ ስርሑ ኣቕሪቡ።

ስራሕቲ እቲ ማርቺንግ ባንድ ቀልቢ መራኸብቲ ሓፋሽ ክስሕብ ክኢሉ ኢዩ፡፡

ወኪል ዜና ሩስያ ስፑትኒክ፤ ኢትዮጵያ ባህላን ሙዚቃኣታታን ኣብ ምፍላጥ ኣብ ሞስኮ ደሚቓ ኣላ ኢሉ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ሞስኮ ዝፍለጥ ቀይሕ ኣደባባይ ዘደንቕ ባህላ ኣመልኪታ ክብል እውን ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቲቫል ማርችንግ ባንድ ሩሲያ ምስታፋ ናይ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽርን ወታደራዊ ልውውጥ ልምዲን ንምግባር ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ኣብቲ ፌስቲቫል እናተሳተፈ ዝርከብ ጉጅለ ማርችንግ ባንድ ምክልኻ ምስ ዕዱማት ማርችንግ ባንድ ሃገራት ኣፍሪካ ልውውጥ ተሞክሮን ልምዲን ከምዝገብር ተሓቢሩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment