ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሞንጎ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋህድ)ን ዝተበፅሐ ዘላቒ ስምምዕነት ሰላም ውፅኢታዊ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ተፈሪሙ፡፡
ኣብቲ ስነ ስርዓት ስምምዕነት ሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ፌደራልን ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ኣፋህድን ተረኺቦም።
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ጎንፂ ህዝቢ ክረኽቦ ዝግባእ ልምዓት ዘስአነን ልዑል ዕንወት ዝስዐበን ኢዩ፡፡
ኣብዚ ዝሰልጠነ ዘበን ኣብ ክንዲ ሰላም ኣፈ ሙዝ ሒዝካ ምንሕናሕ ንግዚኡ ዘይምጥንን ብትውልዲ ተወቃሲ ዝገብርን ኢዩ ኢሎም።
ሎሚ ሰላም መሪፆም ናብ መገዲ ሰላም ዝመፅኡ ኣመራርሓ ኣፋህድ ግቡእን ንትውልዲ ዝጠቅምን ውሳነ ብምምራፆም ምስጋና ኣቕሪቦም።
ካልኦት ዝተረፉ ሓይሊታት ኣማራፂ ሰላም ንኽቐበሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ናዕለዋይ ኣመራርሓ ኣፋህድ ፈንታው ሙሀባ ብግደኦም፤ እቲ ስምምዕነት ጋህዲ ንኸኸውን ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ኣቢሉ ብሕጋዊ መገዲ እናተዛተና ፀኒሕና ኢሎም።
ብቤተልሄም መኳንንት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!