ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሩስያ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከቢድ ሓደጋ ስግኣት ሱናሚ ተፈጢሩሎም፡፡
ሩሲያ ኣብ ምብራቓዊ ገማገም ባሕሪ ዝበፅሐ ብሬክተር ስኬል 8 ነጥቢ 8 ዝተመዝገበ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ ኣብ ዙርያ ውቅያኖስ ፓስፊክ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ስግኣት ሱናሚ ይርከባ፡፡
ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝበፅሐ ኣካባቢ ዘለው ከተማታት ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሐ እንትኮን÷ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ብከቢድ ማዕበል ተወቂዖም።
ብተወሳኺ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ሃዋይ ካብ ልዕሊ 1ነጥቢ 7 ሜትር ዝኾኑ ሞገዳት ብምምዝጋቦም ሰባት ካብ ገምገም ባሕሪ ሰሜን ካሊፎርንያ ክርሕቁን ናብ ልእል ዝበለ ከባቢ ክኸዱ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ሓድሓደ ከባታት ጃፓን ልዕሊ 1 ነጥቢ3 ሜትር ዝቑመቱ ማዕበል ከምዝተሃስዩን ናብ 1ነጥቢ 9 ሚሊየን ሰባት ከባቢኦም ለቒቆም ክወፁ ምእዛዞም ዝፀብፀበ ቢቢሲ እዩ፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!