ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሩሲያ ምብራቓዊ ግዝኣት ኣሙር ዘጋጠመ ሓደጋ መገደኛታት ኣውሮፕላን ተሓምሺሻ ህይወት 49 ሰባት ሓሊፉ፡፡
ኣመራርሓ ግልጋሎት ሓደጋ ግዘ ሩሲያ ከምዝበልዎ÷ ሎሚ 49 ሰባት ኣሳፊራ እትጉዓዝ ዝነበረት ኣውሮፕላን ኣብ ሩሲያ ምብራቓዊ ክፍሊ ግዝኣት ኣሙር ካብ ራዳር ወፃኢ ኾይና ተሓምሺሻ፡፡
ኣብታ ኣውሮፕላን ውሽጢ ዝነበሩ ሓሙሽተ ህፃናትን ሓዊሱ 43 መገደኛታትን 6 በረራ ሰረሕተኛታትን ብሓፈሻ ሕይወት 49 ሰባት ምሕላፉ ተሓቢሩ፡፡
እታ ኣንቶኖቭ ኤኤን-24 ዝተብሃለት ናይ መገደኛታት ኣውሮፕላን ካብ ግዝኣት ኣሙር ብላጎቨሽቼንስክ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቲይንዳ እትጉዓዝ ከምዝነበረት ሞስኮ ታይምስ ፀብፂቡ፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!