ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዝነብሩ ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ብንቕሓት ንክሳተፉ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ብንቕሓት ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ኣካል ከይዲ ዘተ ንምግባር ኩሎም ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ኣጀንደኦም ብምሃብ ብኣካል ተሳትፎ ንክገብሩ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ካብ 30 ነሓሰ 2025 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ምዕራፍ ዘተ ክካየድ ኢዩ ኢሉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ካናዳ ንዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ካብ 6 መስከረም 2025 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣብ ቶሮንቶ ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ምዕራፍ ዘተ ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቶም ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ምእካብ ኣጀንዳን ሃገራዊ ጉባኤ ዘተን ንክሳተፉ ፃውዒት ከምዝቐረበ ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment