ኣብ ሳዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 447 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 447 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ካብቶም ተመለስቲ 1 ሺሕን 139 ደቂ ተባዕትዮ፣ 261 ደቂ ኣንስትዮን 47 ህፃናትን እንትኾኑ፤ ካብ ሞንጎ እቶም ተመለስቲ ድማ 47 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ይርከቡዎም።

ንዝተመለሱ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን ማእኸላት መፅንሒን ግቡእ ሓግዝ ብምግባር ምስ ስድራቤቶም ናይ ምፅምባር ስራሕ እናተኻየደ ከም ዝርከብ ሓበሬታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣመልኪቱ።

Comments (0)
Add Comment