ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓያል ጋንታ ስፔን ሪያል ማድሪድ ሻውድድር ምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ብሓዱሽ ኣቀራርባ ብመልክዕ ሊግ ምክያድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብቲ መድረኽ እናተፈተነት ትርከብ፡፡
ኣብ ዘበነ ውድድር 2024/25 እቲ ውድድር ብሓዱሽ ኣቀራርባ ምክያድ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ሪያል ማድሪድ ናብ 16 ንምፅምባር ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምግባራ ይዝከር፡፡
ኣብቲ እዋን ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ገይራ ናብ 16 ዝተፀምበረት ሪያል ማድሪድ ኣብቲ መድረኽ ክትጓዓዝ ዝኸኣለት ክሳብ ርብዒ ፍፃመ ጥራሕ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን፡፡
ኣብዚ ዓመተ ውድድር እውን ሪያል ማድሪድ ናብ 16 ንምፅምባር ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንኽትገብር ተገዲዳ ኣላ፡፡
ማድሪድ ኣብቲ መድረኽ ናብ 16 ንምፅምባር ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፀወታ ምስ ቤኔፊካ ክትገብር ኢያ፡፡
ክልቲአን ጋንታታት ኣብዚ ዓመተ ውድድር ኣብ ሻምናይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ተራኺበን ቤኔፊካ 4 ን 2 ምስዓራ ይዝከር፡፡
ብፖርቹጋላዊ ኣሰልጣኒ ጆዜ ሞሪኒሆ ትምራሕ ቤኔፊካ፤ ትፅቢት እንተይተገበረላ ንሪያል ማድሪድ ምስዓራ ኣብቲ እዋን መዘራረቢ ነይሩ፡፡
15 ግዘ ሻምፒዮን እቲ መድረኽ ሪያል ማድሪድ፤ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሓዱሽ ኣቀራርባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ውድድር እናተፈተነት ትርከብ፡፡
መዘራረቢ እናተብሃሉ ዝፍለጡ ኣሰልጣኒ ጆዜ ሞሪኒሆ ዳግም ኣንፃር ነበር ጋንታኦም ክገጥሙ ኢዮም፡፡
ጆዜ ኣብ ሪያል ማድሪድ ብኣሰልጣናይነት ፃንሒቶም ብዙሓት ዕዉታት ዓመታት ከምዘሕለፉ ይዝከር፡፡
ጆዜ ሞሪኒሆ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ንጉስ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣብ ዝኾነ ሪያል ማድሪድ ዝገበርናዮ ንፈልጥ ኢና ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ፀወታ ኣቑሲልናዮ ኢና፣ ዝቖሰለ ንጉስ ድማ ሓደገኛ ኢዩ ስለዚ ተፃወትተይ ንሪያል ማድሪድ ቀሊል ግምት ከይህቡ ኣጠንቂቐዮም ኢየ” ኢሎም።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ታሪኸን ብኹሎም ውድድራት 10 ግዘ ዝተራኸባ እንትኾና፤ ሪያል ማድሪድ ኣርባዕተ ግዘ እንትትስዕር ቤኔፊካ ሓሙሽተ ግዘ ብምዕዋት ሓደ ግዘ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!