ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀረብ ዘርኢ ግብርና ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ግብርና ንጉሴ ደቻሳ(ፕ/ር)።
እቲም ዋና ዳይሬክተር ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ቀደብ ዘርኢ ግብርና ዘለዉ ፀገማት ንምፍላይ ዘኽእል መፅናዕቲ ገይሩ።
ብኢንስቲትዩት ምርምር ግብርና ስርዓት ዘርኢ ዘተሓባብር ቴክኒካል ኮሚቴ ምህላዉ ብምግላፅ፥ በቲ ኮሚቴ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝካየዱ መፅናዕቲታት ንሚኒስቴር ግብርና ከምዝቐርቡ ኣረዲኦም።
ብመሰረት እዚ በቲ ሚኒስቴር እቲ ዓውዲ ዘተሓባብር ስትሪንግ ኮሚቴ ክሳብ ታሕተዋይ መሓዉር ብምንቅስቓስ ፀገማት ንክፍትሑ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
እቲ ኢንስቲትዩት ብቐንዱ መበገሲ ዘርኢ ኣብ ምቕራብ ጠመተ ብምሃብ ከምዝሰርሕ ገሊፆም።
ብሃይለማርያም ተገኝ