ኣብ ቀፃሊ ፕሮጀክታት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘሰጋገረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከይዲ ህንፀት ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ተወዳደርቲ ሰብሙያታት ዝተፈጠርሉን ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ ተመሳሰልቲ ፕሮጀክታት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘተሰጋገረሉ እዩ ኢሎም ምሁራን፡፡

ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበሮ ምሁራን ከምዝበልዎ፤ እቲ ግድብ ኣብ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪታትን መሰረተ ልምዓትን ልዑል ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ።

ሓላፊን መምህርን ክፍሊ ሲቪል ምህንድስና ኣብ ዩኒቨርስቲ ወላይታ ሶዶ በረከት ነፃነት ከምዝበልዎ፤ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ሰብ ሞያታት እቲ ዓውዲን ኮንትራክተራት ስግግር ቴክኖሎጂ ክገብሩ ኣኽኢሉዎም፡፡

ብፍላይ ኮንክሪት ብቅልጡፍ፣ ፅርየትን ብዝሓትን ፈርዩ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምውዓሉ ንመሰል ፕሮጀክታት ትምህርቲ ሂቡ ኢሎም፡፡

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሳይንቲፊክ ቴክኖሎጂ ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ሙሉነህ ለማ ( ዶ/ር) ብግዲኦም፤ እቲ ግድብ ብስራሕቲ ኤሌክትሮሜካኒካል እቲ ግድብ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለን ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment