ኣብ በዓል “ዮ ማስቃላ” ዝካየድ ስነ ሰርዓት “ሶፌ”

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማሕበረሰብ ጋሞ ዘበን መለወጢ ኣብ ዝኾነ በዓል “ዮ ማስቃላ” ዝካየድ ስነ ሰርዓት “ሶፌ” በቲ ብሄረሰብ ዝኽበር ድሙቕ ስነ ሰርዓት ኢዩ።

“ሶፌ” ዘብል ቃል ጋሞኛ አነትኸወነ፥ መርዑ ፅባቐኦም ብውድድር ዘርእይሉ ባህላዊ ስነ ሰርዓትን ክብሪ በዓል “ዮ ማስቃላ”ን ኢዩ።

ሶፌ ኣብ ዓመት ዝተምርዐዉ መርዑት ህዝቢ እቲ ከባቢ ብበዝሒ ኣብ ዝእከበሉ ዕዳጋ ብምውፃእ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም ናብ ሕብረተሰብ ዝፅንበርሉ ከምኡወን ናይ መን ስድራ ብደንቢ ተኸናኺኑ፣ ናይ መን በዓልቲ ቤት ኣምሒሩላ በዝብል ሰብኣይን ናይ ሰብኣይ ሰድራን ዝግምገመሉ ዝዳነየሉ ስርዓት ኢዩ።

ስነ ስርዓት ሶፌ ብጋሞታት ዝኽበርን ካብ ቦታ ቦታ ዝተወሰነ ለውጢ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኣብ ውሱናት ከባቢ ብፈረስ፣ ካልኦት ከባቢታት ብግሪ፣ ውሱናት ከባቢታት ድማ ብዙሕ “ጨሌ” ኣብ ክሳብ መርዓት ይግበር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ጠስሚ ብቕርፂ ተኾሚሩ እንትረአ ኣብ ካልኦት ከባቢ ፀጉሪ እታ መርዓት ጠስሚ ተገይሩሉ በቲ ብሄረሰብ ኣፀዋውዓ   “ፑንፅሮ” ይስንተር፤ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ካባ ይድረብ ካልኦት ከባቢታት ድማ ኣይግበርን።

ሶፌ ኣብ ብሄረሰብ ጋሞ ባህላዊ ብርኪታት መርዓ ብምሕላፍ መወዳእታ እቶም መርዑ ብባህላዊ መገዲ ከምዝተምርዐዉ መፍለጢ ስነ ሰርዓት ባህሊ ኢዩ።

ብባህሊ ጋሞ ዝተምርዐወት መርዓት ካብ ሓደ ክሳብ ኣርባዕተ ወርሒ ካብ ገዛ ተይወፅአት ዝተፈላለዩ ሃነፅቲ ዝኾኑ ንኣብነት፥ ገዓት፣ ቅንጬ፣ ጩኮ፣ ቡላ፣ ብመዓር ዝተለወሰ ቀሎን ዝኣመሰሉን ምግብታት እናበልዐት ትፀንሕ።

ኣብ ዕለተ ሶፊ ኣብ ኩሉ እቲ ከባቢ ዝተምርዐዉ መርዑት ብቤተሰብ ተዓጂቦም ፀጉሮም ሰንቲሮም፣ ብክባር ጨሌ፣ ባህላዊ ቀምሽ ጋሞ፣ ጋቢ ብምሽፍፋን፣ ካባ ብምድራብ፣ ዕትሮ ሙሉእ ስዋ ብምሓዝ ናብ ዕዳጋ ብምውፃእ ደቂ ኣኒስቲዮ መርዑ ነቲ ዕዳጋ ኣርባዕተ ጊዘ ይዞርኡ። መርዑ ደቂ ተባዕቲዮ ድማ ብሪገኦም ሰለስተ ጊዘ ነቲ ዕዳጋ ይዘሩዎ።

ድሕሪ እዚ እቲ ስዋ እናተሰተየ ኣብቲ ዕዳ ዘሎ ኩሉ “ሓዳርኩም ሙሉእ ይኹን፣ ዝማዕረገ ሓዳር ይኹን፣ ውለዱ ክበዱ” እናበለ ይምርቕ።

ብማስተዋል ኣሰፋ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment