ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ካብ ፍርያት ሕርሻ ንንግዲ ወፃኢ ፃዕሊ 4 ነጥቢ 55 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ 27፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም ካብ ፍርያት ሕርሻ ንወፃኢ ንግዲ ልዕሊ 4 ነጥቢ 55 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሉ ሚኒስቴር ሕርሻ።

ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፈፃፅማ ትልሚ 2018 ዓ.ም በጀት ዓመትን ትልሚ 2019 ዓ.ምን ዝምልከት ገምጋም የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)፤ ኣብ 2018 ዓ.ም በጀት ዓመት መሬት ብተደጋጋሚ ኣብ ምሕራስ ዓብዪ ዓወት ከምዝተመዝገበ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ብሓፈሻ 33 ሚልየን ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝራእቲ ክሽፈን ከምዝተኽእለን ካብ ዝለምዐ መሬት ድማ 1 ነጥቢ 85 ቢልዮን ኩንታል ፍርያት ክእከብ ከምዝተኻእለን ተዛሪበን።

ብፍላይ ድማ ልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ርእስኻ ካብ ምኽኣል ሓሊፉ ንውሽጣዊ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ልዑል ዓቕሚ እናፈጠረ ከምዝርከብ ኣብሪሀን።

ብኻልእ መዳይ ኣብ መርሃ ግብሪ “ትሩፋት ሌማት”፣ ካብ ፀባ ልዕሊ 15 ነጥቢ 83 ቢልዮን ሊትሮ ፍርያት፣ ካብ መዓር ድማ ልዕሊ 427 ሚልዮን ቶን ፍርያት ከምዝፈረየ፣ ከምኡ እውን 11 ነጥቢ 7 ቢልዮን እንቋቑሖ ንዕዳጋ ክቐርብ ከምዝተኽኣለ ኣመልኪተን።

እተን ሚኒስትር ዴኤታ ዝተፈላለዩ ፍርያት ሕርሻ ንዓለም ለኻዊ ዕዳጋ ብምቕራብ፣ ብሓፈሻ ልዕሊ 4 ነጥቢ 55 ቢልዮን ዶላር እቶት ክርከብ ከምዝኸኣለ ገሊፀን።

ካብቲ ዝተረኽበ እቶት ድማ ፍርያት ቡን ልዑል ብፅሒት ዝሓዘ እንትኸውን፤ ካብቲ ዓውዲ ዋና ፍልፍል ሸርፊ ወፃኢ ኮይኑ ከምዝቐፀለ ኣዘኻኺረን።

ብኣንዷለም ተስፋዬ

Comments (0)
Add Comment