ኣብ ባንግላዲሽ ጄት ተሓምሺሻ ህፃናት ሓዊሱ ህይወት 27 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጄት ሓይሊ ኣየር ባንግላዲሽ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ብምሕምሻሻ 25 ህፃናት ሓዊሱ ህይወት 27 ሰባት ሓሊፉ፡፡

ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ካብ መወትቲ ብተወሳኺ 170 ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ሰብ መዚ እታ ሃገር ተዛሪቦም፡፡

ጦር እታ ሃገር ከምዝሓበሮ እታ ጄት ዝተሓምሸሸት ኣብ ልምምድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እንትኸውን፥ ፀገም ቴክኒክ ከምዘጋጠማ ተገሊፁ፡፡

እታ ጄት ኣብ ልዕሊ ህንፃ እቲ ቤት ትምህርቲ እንትትወድቕ ሓዊ ተቐፃፂሉ ከምዝነበረ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ፀሪሑ ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment