ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጄት ሓይሊ ኣየር ባንግላዲሽ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ብምሕምሻሻ 25 ህፃናት ሓዊሱ ህይወት 27 ሰባት ሓሊፉ፡፡
ኣብ ርእሰ ከተማ ዳካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ካብ መወትቲ ብተወሳኺ 170 ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ሰብ መዚ እታ ሃገር ተዛሪቦም፡፡
ጦር እታ ሃገር ከምዝሓበሮ እታ ጄት ዝተሓምሸሸት ኣብ ልምምድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እንትኸውን፥ ፀገም ቴክኒክ ከምዘጋጠማ ተገሊፁ፡፡
እታ ጄት ኣብ ልዕሊ ህንፃ እቲ ቤት ትምህርቲ እንትትወድቕ ሓዊ ተቐፃፂሉ ከምዝነበረ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ፀሪሑ ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!