ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ተምሃራይ ካልኣይ ብርኪ ፍሉይ ኣዳሪ ቤት ትምህርቲ ዶዶላ ኢፈ ቦሩ ዝኾነ ካሊድ በሽር ኣብ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 591 ብምምፃእ ብብርኪ ሃገር ልዑል ውፅኢት ኣመዝጊቡ፡፡
ከም ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ተምሃራይ ካሊድ በሽር እንግሊዘኛ 96፣ ሒሳብ 100፣ ፊዚክስ 100 ኬሚስትሪ 98፣ ባዮሎጂ 99፣ ኣፕቲትዩድ 98 ኣምፂኡ፡፡
ርእሰ መምህር ካልኣይ ብርኪ ፍሉይ ኣዳሪ ቤት ትምህርቲ ዶዶላ ኢፈ ቦሩ ደቱ ዲቦ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉው÷ ተምሃራይ ካሊድ በሽር ብትምህርቱ ኣዚዩ ንፉዕ፣ ፅቡቕ ስነ ምግባር ዘለዎን ኣርአያ ዝኾነን ተምሃራይ ኢዩ፡፡
ኣብ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብብርኪ ሃገር ልዑል ውፅኢት ብምምፅኡ ከምዘሐጎሶም እውን ገሊፆም፡፡
ብመላኩ ገድፍ