ኣብ ተበፃሕነት ሕክምና መንሽሮ ጠመተ ዝገበረ ዓለም ለኸ ፎረም  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተበፃሕነት ሕክምና መንሽሮ ክብ ኣብ ምባል ጠመተ ዝገበረ ዓለም ለኸ ፎረም  ‘ሬይስ ኦፍ ሆፕ 2025’ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ(IAEA) ማሪያኖ ግሮሲ፣ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባን ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)ን ሓዊሱ ሓለፍቲ እቲ ዓውዲ ዝተፈላለያ ሃገራት ተረኺቦም።

እቲ ፎረም ሚኒስቴር ጥዕናን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂን ብሓባር ዘሰናደእዎ እንትኸውን፥ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንክልተ መዓልታት ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣብ ተበፃሕነት እታዎት ሕክምና መንሽሮ ዝረአ ኢ-ፍትሓውነት ንምምሕያሽን ኣብ ዓበይቲ ሃገራት እቲ ቀረብ ክብ ንምባልን ዝዓለመ ዘተ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment