ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፈ ብዓርቢ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቴክሳስ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ዝሞቱ ሰባት 82 በፂሑ።
ኣብታ ግዝኣት ብዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝበፅሐ ሓደጋ ውሕጅ ካብ ሞንጎ እቶም ዝሞቱ 28 ህፃናት ምዃኖም ተገሊፁ፡፡
በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ ብዙሓት ሰባት ምጥፍኦም ዝተሓበረ እንትኾ፤ ስራሕቲ ምድሓን ነብሲ ምቕፃሎም ሰብ መዚ ግዝኣት ቴክሳስ ተዛሪቦም፡፡
ግልጋሎት ኩነታት ኣየር እታ ሃገር ከምዘፍለጦ፤ ኣብ ማእከላይ ቴክሳስ ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ ከምዝኽእል ትፅቢት ከምዝግበር።
ኣብ ዝቕፅሉ ሰዓታት ተወሳኺ ከምዙይ ዝኣመሰሉ ሓደጋ ውሕጅ ከጋጥም ከምዝኽእል ሲኤንኤን ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!