ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ቀስ ብቀስ ከምዝካየድ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፍንጪ ሂቦም።
እቶም ፕሬዚዳንት ምሸት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣሜሪካ ውግእ ዓቕሚ ኢራን ብምድኻም ነቲ ኲናት ከተብቅዕ ከም እትሓስብ ገሊፆም።
ኣሜሪካ ዕላምኣ ንምዕዋት ኣብ ጫፍ በፂሓ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ኢራን እትገብሮ ዘላ ወፍሪ ቀስ ብቀስ ክትቅንሶ እያ ኢሎም።
እንተኾነ ግን ኣሜሪካ ነቲ ወፍሪ ኣብ እተካይደሉ እዋን ካልኦት ወሽመጥ ሆርሙዝ ዝጥቀማ ሃገራት ድሕንነት እቲ መስመር ኣብ ምርግጋፅ ሓላፍነተን ክዋፅኣ ከምዘለወን ኣገንዚቦም።
ኣሜሪካ ናብ ኢራን ናይ ምድራዊ ሓይሊ ንምውፋር ዝርዝር ትልሚታት እናውፅአት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሃገራት ኣብ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ከምዘይትደሊ ሓቢሮም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!