ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብንግግርን ብምኽክርን ዘይፍታሕ ሕቶ ይኹን ፀገም የለን ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)፡፡
እቶም ኮሚሽነር ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘካየዶ ከይዲ ምሕንፃፅን ምትእኽኻብን ኣጀንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ክፍትሑ ዘይኽእሉ ሕቶታት ይኹኑ ፀገማት ከምዘየለዉ ምዕዛቦም ተዛሪቦም፡፡
ዝለዓሉ ፀገማት ኣብ ትሕቲ ፅላል ኢትዮጵያ ስለዝኾኑ ዜጋታት ብምኽክርን ዝርርብን ክፍትሑ ዝኽእሉ ኢዮም ብምባል ዝገለፁ እቶም ዋና ኮሚሽነር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክምለሱ ዘይኽእሉ ሕቶታት እንተሃለዉ እኳ ኣብ ከይዲ ክፍትሑ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም፡፡
እቲ ኮሚሽን ካብ ካልኦት ሃገራት ልምዲ ከምዝወሰደ ብምግላፅ÷ ዘይተሳኽዑ ምኽክራት ባናይ ውሽጢን ወፃኢን ኢድ ኣእታውነት ምዃኖም ምርዳእ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ብጭቡጥ ኩነታት እቲ ኮሚሽን ካብ ውሽጢ ሃገር፣ ካብ መንግስቲ ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ዝነፅሀን ብዘይሻራውነት ስርሑ ዝውግንን ትካል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ክልል ትግራይ ሰለስተ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣጀንዳኦም ነቲ ኮሚሽን ከምዘቕረቡ ዝገለፁ መስፍን (ፕ/ር)÷ ህዝቢ ክልል ትግራይ ልዑል ናይ ምዝርራብ ድሌት ኣለዎ፣ ስለ ሰላም ካብ ማንም ንላዕሊ ዝርዳእን ቅድሚት ዝህብን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ድሌት ሰላም እቲ ምኽክሩ ንኽዕወት ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም፡፡
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!