ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣይ ለውጢ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዘነቓቕሕ ኢዩ- ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣይ ለውጢ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዘነቓቕሕ ኢዩ ኢሎም ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማሕሙድ አሊ ዩሱፍ።

ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብ ዝተጀመረ ጉባኤ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወሰኑ ርሕቐታት ምንቅስቓስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ብግልፂ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝረኣይ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ኮነ ሓፈሻዊ ምምሕያሽ ኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ልዑል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዘነቓቕሕ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ኣብ ዝበለ ለውጢ ኮይና ምርኣይ ንኩላትና ታሕጓስ ዝህብ ኢዩ እውን ኢሎም።

ትግበራ ናፃ ንግዲ ቀጣና ኣፍሪካ ብምጥንኻር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብምዕባይ ኣህጉራዊ ልምዓት ምጥንኻር ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment