ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዓለም ለኻዊ ጉባኤታት ርክባት ዲፕሎማሲ ዘጠናኽሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዓለም ለኻዊ ጉባኤታት ርክባት ዲፕሎማሲ ዘጠናኽሩ ኢዮም ኢሎም ምሁራን ፖለቲካን ዓለም ለኸ ርክባትን።

ኣብ ዩንቨርስቲ ስቪል ሰርቪስ መምህርን ተመራማርን  ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክባትን ሙሉጌታ ደበበ (ዶ/ር)፥ ኣብቶም ዓለም ለኸ ጉባኤታት ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን ናይ ምርካብ ዕድሎም ሰፊሕ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ጎድኒ ንጎድኒ እቶም ጉባኤታት ሃገራት ርክባት ዲፕሎማሲአን ንከጠናኽራ ዝሕግዝ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየዱ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊ መድረኻትን ዝምድናን ዓውዲ ዲፕሎማሲን ሃገራት ንምጥንኻር ልዑል ዕድል ይፈጥሩ ኢዮም ዝበሉ ድማ ምሁር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክባትን ጥላሁን ሊበን ኢዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ መድረኻት ርክባት ዲፕሎማሲ ብምስፋሕ ሃገራት ርክበን ንከጠናኽራ ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጥሩ ኣገንዚቦም።

ብስንታየሁ ኣበበ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment