ኣብ ኢትዮጵያ 55 ሚሊየን ሰባት ተጠቀምቲ ቴሌብር ኮይኖም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኣብ ኢትዮጵያ 55 ሚሊየን ሰባት ተጠቀምቲ ቴሌብር ኮይኖም፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 30 ሚሊየን ዝኾኑ ወነንቲ ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም፡፡

ንእዋኑ ዝምጥን ለውጢ ንምምፃእ ምምሃርን ምዕባይን እንተይከኣልና ከም ፖቲካ ኢትዮጵያ ኣብ 1960ታት ጠጠው እንተይልና ነገር ክበላሾ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ከምዝተለወጠ ብምሕባር፥ ሕድሕድ ዜጋ ፅቡቕ ኣእምሮ ከምዘለዎ ብምእማን ኣብ ክንዲ ምሕባእ ምትሕብባር እንተቐዲሙ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣውራ ማእኸል ቴክኖሎጂ ክትከውን ከምትኽእል ኣመልኪቶም፡፡

እዚ ንኽኸውን ድማ ምምሃር ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝተምሃሩ ሰባት ምቹው ኩነታት ምፍጣር የድሊ ኢሎም፡፡

ገለገሊኦም ዲጂታል 2025 እንትጅመር ሕልሚ ኢዩ ይብሉ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን 55 ሚሊየን ሰባት ናይ ቴሌ ብር ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ 5 ሚሊየን ኮደርስ ንፍጠር ብምባል ኣብ ዝተጀመረ ስራሕ 2 ሚሊየን ኮደርስ ምዕዋት ምኽኣሉ ተኣምር ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ብኣምር ምድማር ተሓባቢርና ንኢትዮጵያ ካብ ድኽነትን ፀገምን ብምውፃእ መልክዓን ፅባቐኣን ክንቀልዖ ኣለና ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment