ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ናይ ሎሚ ዓመት ኣከባብራ ኢሬቻ ጠመተ ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ ጀሚላ ሲንብሩ፤ በዓል ኢሬቻ መግለፂ ባህሊ ህዝቢ ኦሮሞ ምዃኑ ገሊፀን፡፡
ኣብቲ ዘተ እቲ በዓል ባህላዊ ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ንክኽበር ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢረን።
ኢሬቻ ምልክት ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሕውነትን ምዃኑ ብምሕባር እቲ በዓል ብድምቀት ንክኽበር ኩሎም ወገናት እጃሞም ክፃወቱ ይግባእ ክብላ ኣገንዚበን።
ኣብቲ መድረኽ ሓለፍቲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ኦሮምያ ኣባገዳታት ሓዊሱ፣ ሀደሲንቄታትን ዓበይቲ ዓድን ተረኺቦም ።
ብፌናን ንጉሤ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!