ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸላት ምገባ ተስፋ ብርሃን በቢዕለቱ 36 ሺሕ 600 ዜጋታት ተረባሕቲ ኮይኖም ኢሉ ኤጀንሲ ምገባ እቲ ምምሕዳር።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ስንታየሁ ማሞ ንፋና ዲጂታል ከመዝበልዎ፥ ማእኸላት ምገባ ተስፋ ብርሃን ንፀገም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ይገብራ ኣለዋ።
ብመሰረት እዚ ኣብታ ከተማ ልዑል ደገፍ ዝደልዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ መዓልቲ ሓደ ጊዘ ኣብተን ማእኸላት ኣገልግሎት ምገባ ይረኽቡ ኣለዉ ኢሎም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብታ ከተማ 26 ማእከላት ምገባ ተስፋ ብርሃን ምህላወን ብምሕባር፥ ኣብተን ማእኸላት 36 ሺሕን 600 ዜጋታት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!