ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይብፅሒት ወረቐት ሽይጣት ክፍፅሙ ዝተረኸቡ 11 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ነጋዶ መካፋፈልቲ እታዎት ዓውዲ ኮንስትራክሽን ብዝተገበረ ናይ ታክስ ኦፕሬሽን ብዘይብፅሒት ወረቐት ሽይጣት ክፍፅሙ ዝተረኸቡ 11 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም።

ቢሮ እቶት ‘ቲ ምምሕዳር ከተማ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሎ፥ ትማሊ መርካቶ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ እታዎታት ኮንስትራክሽን ኣብ ዝሸጡ ትካላት ንግዲ ዝተፀንዐ ናይ ታክሲ ኦፕሬሽን ተኻይዱ።

ምስ’ቲ ተግባር ብቐጥታ ርክብ ዘለዎም 11 ሰብ ዋና ስራሕቲ ንግዲን እቲ ሽይጣት ብዘይብፅሒት ወረቐት እንተካይዱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ግብሪ መንግስቲ ንምስዋር ብዘይብፅሒት ወረቐት ሽይጣት እንትፍፅሙ ኢድ ብኢድ ተታሒዞም ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ናይ ኦፕሬሽን ተግባሩ ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ንግዲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ናይቲ ንግዲ ማሕበረሰብ እታዎታት ብብፅሒት ጥራሕ ንክፍፅም ኣተሓሳሲቡ።

Comments (0)
Add Comment