ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣዲስ ኣብ ቀፃሊ ንዝኽበሩ በዓላት ፍርያታት ብስፍሓት ብምቕራብ ስራሕቲ ምርግጋእ ዕዳጋ እናተወገነ ይርከብ፡፡
ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን እታ ከተማ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ቀፃሊ ንዝኸበሩ በዓላት መሰረታዊ ጠለባት ናብ ሕብረተሰብ ብስፍሓት ንምቕራብ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡
ናይ ጠለብ ፍርያታት ብበዝሒን ብፅሬትን ብምቕራብን ዘይሕጋውያን ነጋዶ ናብ ሕጋዊ መስመር ክኣትዉን ብምግባር ስራሕቲ ምርግጋእ ዕዳጋ እናተወገነ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም፡፡
ኣብ መእተዊ በሪታት እታ ከተማ ዝተሃነፁ ሓሙሽተ ኩለመዳይ ማእኸላት ሕርሻ ካብ መላእ ከባቢታት እዛ ሃገር ፍርያታት ሕርሻ ብቐጥታ ብምቕራብ ግደ ዘይሕጋዊ ድላላ ነክዮም ኢዮም ኢሎም፡፡
ኣብቶም ማእኸላት ልዕሊ 500 ነጋዶን ልዕሊ 250 ኣፍረይቲ ፍርያቶም ብበዝሒን ብፅሬትን እናቕረቡ ከምዝርከቡ ኣመልኪቶም፡፡
ብኻሊእ መዳይ ምስ ምምሕያሽ መሃያ ተተሓሒዙ ናህሪ ዋጋ ከየጋጥም በቢብርኩ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ጥቡቕ ቁፅፅር እናተገበረ ከምዝሖነ ተዛሪቦም፡፡
ዘይሕጋዊ ነጋዶ ኣብ ፍርያታት ወሰኽ ዋጋ ከይገብሩ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብር እውን ሓቲቶም፡፡
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!