ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ከምዝወሃብ ቢሮ ጥዕና እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።
እቲ ክታበት ካብ 6 ክሳብ 15 ግንቦት 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ተገሊፁ።
እቲ ቢሮ ጥዕና ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፆ፤ ኣብቲ ወፍሪ ክታበት ዕድሚኦም ካብ 9 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ዝኾኑ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ህፃናት ክኽተቡ ኢዮም።
ልዕሊ 3 ሺሕን 400 ሰብ ሞያ ኣብቲ ወፍሪ ክሳተፉ ኢዮም፡፡