ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ከምዝወሃብ ቢሮ ጥዕና እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

እቲ ክታበት ካብ 6 ክሳብ 15 ግንቦት 2017 ዓ.ም ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እቲ ቢሮ ጥዕና ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፆ፤ ኣብቲ ወፍሪ ክታበት ዕድሚኦም ካብ 9 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ዝኾኑ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ህፃናት ክኽተቡ ኢዮም።

ልዕሊ 3 ሺሕን 400 ሰብ ሞያ ኣብቲ ወፍሪ ክሳተፉ ኢዮም፡፡

Comments (0)
Add Comment